ትግርኛ(Tigrinya)

ትግር ንዝዛረቡ ሰባት ናይ መንሽሮ መረዳእታን ደገፍን   

መንሽሮ ንባዕልኻን ስድራቤትኻ ከቢድ እዩ የግዳስ ንስኻ በይንኻ ኣይኾይንካን። ንሕና ኣብዚ ዘለና ንዓኻ ንምሕጋዝ እዩ። 

ዝኾነ ሰብስድራቤት መሓዙትን ሓልየት ውሃብቲ ሓዊሱ ብዛዕባ መንሽሮ፤ ምክልኻል፤ ሕክምናን ደገፍ ኣገልግሎትን ከዘራርቡና ይኽእሉ እዮም። 

Cancer Council Victoria ንዓኻ ንምሕጋዝ ኣብዚ ብዙሕ ብናጻ ዝውሃቡ ናይ ደገፍ ኣገልግሎታት ኣለዎ። ከምኡ’ውን ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣብ ቪክቶሪያ ምስ ምሳኻ ዝሰማምዑ ኻልኦት ደገፍ ኣገልግሎታት ንክትራኸብ ክንሕግዝ ንኽእል። እንታይ ዓይነት ገልግሎታት ከምዘለዉ እንተዘይፈሊጥኻ ምንም ጸገም የብሉሓገዝቲ ነገራት ክንሕብር ንኽእል። 

ንሕና ክንሕግዘኻ ንኽእሎ: 

 

መረዳእታ ብትግርኛ ቋንቋ 

ኣብ ላዕለዋይ የማናይ ኩርናዕ ናይቲ ገጽ ዝርከብ ናይ ተበጻሕነት መሳርሒ ቱልባር ተጠቒምኩምን ቋንቋኹም ብምምራጽን ኣብ መርበብ ሓበሬታና ብመብዛሕትኦም ቋንቋታት ማሕበረሰብ ትርጉማት ከተንብቡ ወይ ክትሰምዑ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ድማ ቲ መሳርሒ ናይ ምርኣይ ወይ ናይ ምስማእ ጸገም ወይኻዓ ናይ ምምሃር ጸገም ንዘለዎም ሰባት ክሕግዝ ይኽእል 

ከም ኡ’ውን ትሕቲ እዚ ዘሎ ሰንጠርዥ ብNAATI ተቐባልነት ዘለዎ ሰበሞያ ዝተተርጎሙ ትርጉማት መገልገሊታትና ኣለዉ 

ንዓና ክተዘራርብ ብትግርኛ ቋንቋ 

ን ዓና ንክተዘራርብ ብናይ  

  • ማሕበራዊ መዲያ መልእኽቲ ስደዱልና   

  • ኢሜል ስደዱልና 

  • ብስልኪ ደውሉልና። 

ዝኾነ ሰብ ከዘራርበና ይኽእል፤ እዚ’ው መሓዙትን ስድራቤት ኣባል ዘኻተተ። እዚ ብዘይ ክፍሊት ብናጻን መስጥራዊነት ብዘለዎ ይኸውን። 

ብእንግሊዝኛ ክተዘራርብ ብስልኪ 13 11 20 ምድዋል። 

አስተርጓሚ ተጠቒምኩም ብትግርኛ ክትዛረቡና ናብ 13 14 50 ደውሉ። 

ስልኪ ኣብ ትድውለሉ ግዘ ንናትኻ ቋንቋ ስም ምዝራብን ብድሕሪኡ ድማ ናብ Cancer Council ብስልኪ 13 11 20 ምድዋል ንኣስተርጓማይ ምሕታት።   

ብውልቀሰብ ናይ ሕክምና ኽሪ ምሃብ ኣይንኽእልን። 

ንመንሽሮ መረዳእታን መገልገሊታት (Cancer Information and Resources)

ዚ ዝስዕብ መረዳእታ ፍልጠት ብዘለዎ ናይ NAATI ሰበሞያ ተርጎምቲ ዝተተርጎመ እዩ። ነዞም መራኸቢ መርበባት ንመሓዙትን ንስድራቤትካ ክተኻፍል መሰልካ ከምዝተሃለዎ ይሰማኣካ።  

እቲ ትደልዮ መረዳእታ ኣብዚ እንተዘይሃልዩ፤ በጃኻ ሓገዝ ንምርካብ ኣዘራርበና  

ከምኡ’ውን ፍኹስ ብዝበለ ቋንቋ ወይ ኻዓ Easy Read መገ ዲ ብዘሎ መገልገሊ መረዳእታ ጸቒትኻ ክተውጽኦ /ክትጽዕኖ ትኽእል። እዞም ንኣካል መጕዳ ቲ ንዘለዎም፤ ብዕድመ ሽማግለ ንዝኾኑ ወይኻዓ ንምንባብን ምጽሓፍን ደገፍ ንዘድልዮም ሰባት ዝሰማማዕ እዩ።  

Tigrinya

English equivalents

እዞም ዝስዕቡ ናይ ሓገዝ ትካላት ክሕግዝኹም ይኽእሉ’ዮም The following support services may assist you